My Account Log in

1 option

ʼEmna xwernāʻe Tegreñā / Mameher ʼĀmāra Waldaselāsa.
እምነ ዅርናዕ ትግርኛ መምህር ኣማረ ወልደስላሰ.

Van Pelt - Zilberman Family Center for Global Collections PJ9111.1 .A54 2023
Loading location information...

Available from offsite location This item is stored in our repository but can be checked out.

Log in to request item
Format:
Book
Author/Creator:
ʼĀmāra Waldaselāsa, author.
ኣማረ ወልደስላሰ, author.
Language:
Tigrinya
Subjects (All):
Tigrinya language--Grammar.
Tigrinya language.
Physical Description:
viii, 177 pages : illustrations ; 21 cm
Place of Publication:
ʼĀsmarā, ʼÉretrā : Document and Communication P.L.C., Naḥāsa 2023.
ኣስመራ, ኤርትራ : Document and Communication P.L.C., ነሓሰ 2023.
Language Note:
In Tigrinya.
Summary:
Discussion of some aspects of the Tigrinya grammar and language.
"ንቋንቋ ትግርኛ ከም ዘይስሩዕ ወይ ከም ሓደ ድኸመት ዘለዎ ቋንቋ ዝሓስብዎ ብቝጽሪ ውሑዳት ኣይኮኑን። ግን ከኣ ቋንቋ ትግርኛ ኵኖ ኣብ ዘረባ፡ ኣብ መዳይ ስነ ጽሑፍ ብምዕቡልን ብምንጹርን መንገዲ ጥበባትን ኣምራትን ስነ-ፍልጠት ከመሓላልፍ ከምዝኽእል በዞም መምህር ኣማረ ኣብዛ መጽሓፍ ኣቕሪቦሞም ዘለዉ ስነ ሞገታት ክረጋገጽ ይኽእል። ምኽንያቱ ድማ እዞም ስነ ሞገታት ስሩዕነት ንድቀ ቃል ትግርኛ ተናባብነት ድምጽታትን ውክልናታቶምን፡ ስርጸተ ትግርኛ ካብ ግእዝ ወዘይመስሎ-- ብመንጽር ዘይስሩዕ ባህሪ ቋንቋ እንግሊዝ ኣጒሊሖም ብምህላዎም እዩ። ስለዚ እዛ መጽሓፍ ብመሰረት እቲ ሒዛቶ ዘላ ትሕዝቶ፡ ንህንጸት ስነ ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ከም እምነ ዅርናዕ ኰይና ከተገልግል ትኽእል እያ ዝብል ልዑል እምነት ኣሎኒ።"--Page 4 of cover.
"ነፍስኄር ኣቶ ኣማረ ወልደሥላሴ እምነ ዅርናዕ ትግርኛ ብዝብል ዘሰናደውዎ መጽሓፍ፡ ብትሕዝቶኡን ኣቀራርባኡን ሓድሽ ኮይኑ፡ ነቲ ንቋንቋ ትግርኛ ዘርአ ዚካየድ ክትዕ ከደንፍዕ፡ ብገሊኡ ቓላትን ብሂላትን ፊደላትን ዳግማይ ንኸትሓስተ ዚገብር መጽሓፍ እዩ። ነፍስኄር ኣቶ ኣማረ ዘለዎም ናይ ካልእ ቛንቛታት ብስለት ክእለትን ተጠቂሞም ናይ ቋንቋታት ዝምድናን ምውርራስን ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሕ ሓደስቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኵሉ ዝቐረበ ሓሳባት እሞ ብዅሉ ወገ ተቐባልነት ይርከብ ኣይርከብ ካልእ ጕዳይ እዩ። ነቲ ዝቐረበ ሓሳብን ኣገባብን መሚን መዚንካ፡ ንኸትቅበሎ፡ ወይ ነኣኡ ነጺግካ ካልእ ተመራጺ ከተምጽእ፡ ወይ እው ባኣኡ ተለዓዒልካ ናትካ ሓዲሽ ሓሳባትን ኣገባባትን ንምምዕባል ግን፡ ከምዚ ናይ ኣብ ኣማረ ዝበለ ተበግሶ ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ'ዚ ንነፍስኄር ኣቶ ኣማረ በቲ ትብዓቶምን ጽንዓቶምን እናኣድነቕኩ እቲ ዘበርከትዎ ሓሳባት ከኣ ብተመራመርቲ ቋንቋ ትግርኛ ግምት ኪረክብ፡ ነኣኦም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ፡ ንስድራ-ቤት ድማ ደበስን ጽንዓትን እምነ።"--Page 4 of cover.
"ኣባ 'እምነ ዅርናዕ ትግርኛ' ስያመ ሂቦማ ዘለዉ መጽሓፍ ህያው ምስክር ምርምራ ዕየ መምህር ኣማረ ወልደስላሰ እያ። 'ግሲ ምእያይ' ንመምህር ኣማረ እምነ ዅርና ትማርኛ እዩ። ግሲ ምእያይ እንታይ እዩ፧ ብኸመይ እምነ ዅርናዕ ትግርኛ ክኸው ክኢለ፥ ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ንምምላስ ድማ ነዛ መጽሓፍ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ምዕራፍ ሓደን ክልተን ብዕቱብ ምንባብ ከድልየና እዩ። ከም መረዳእታያ እዛ መጽሓፍ ዉሁባት፡ እንተዀነ ግን ዘይነስተብህለሎም ክል ሓሳባውን ግብራውን ትሕዝቶታት ኣካቲታ ቀሪባትልና ኣላ ምስረታ ኣርእስቲ ግሲ፡ ድምጽን ውክልናኡን፡ ሆህያዊ ስርዓት ተበራረይቲ ደሃያት፡ ወዘተ... ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ እዛ መጽሓፍ ብሕጂ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራን ክመራመሩ ንዝብህጉ መንእሰያ- ከም መወከሲት ክትከውን እትኽእል ሰነድ እያ ዝብል እምን ኣሎኒ።"--Page 4 of cover.
Notes:
Includes bibliographical references (pages 174-177).
ISBN:
9789994864287
9994864289
OCLC:
1433308531

The Penn Libraries is committed to describing library materials using current, accurate, and responsible language. If you discover outdated or inaccurate language, please fill out this feedback form to report it and suggest alternative language.

Find

Home Release notes

My Account

Shelf Request an item Bookmarks Fines and fees Settings

Guides

Using the Find catalog Using Articles+ Using your account